Kishore Kumar Hits

Amanuel Weldegabir - Kemey Zeynafik lyrics

Artist: Amanuel Weldegabir

album: Kemey Zeynafik


ከመይ ዘይናፍቕ እናፍቕ እምበር
ማሙቕ ፍቕሪ ብዘይ ሓድጊ ኸይዱ
ኣተንፊሰ'ኳ ኣይከኣልኩን
ዓቕሊ ኣጽቢበ ጽላለይ ግሂዱ
ከመይ ዘይናፍቕ እናፍቕ እምበር
ማሙቕ ፍቕሪ ብዘይ ሓድጊ ኸይዱ
ኣተንፊሰ'ኳ ኣይከኣልኩን
ዓቕሊ ኣጽቢበ ጽላለይ ግሂዱ
ንገሪ ከይሓባእኪ ሓላል ኣደ ፍቕሪ
ኣፍኪ'ባ ክፈትለይ ናፍቖተይ ክበሊ
ዝኾንክዮ ጽወዪ እንታዩ ኣጓኒፉ
ትም ሕትም ዘምረጸኪ ካብ ማሕላ ኣሰኒፉ
ካብ ማሕላ ኣሰኒፉ
መዓስ'ከ ደቂሰ ነዊሑ ካብ ዝጽለል
ጽምአይ ካብ ዘይረዊ ልበይ ካብ ዘይዕለል
ናፍቖት ሓይሉ ኮይኑ ዝገደደ
ጽላሎቱ ኾይነ ውሑድ'ዶ ዓቢደ
ግዙእ ናቱ ኾይነ ውሑድ'ዶ ዓቢደ
ከመይ ዘይናፍቕ እናፍቕ እምበር
ማሙቕ ፍቕሪ ብዘይ ሓድጊ ኸይዱ
ኣተንፊሰ'ኳ ኣይከኣልኩን
ዓቕሊ ኣጽቢበ ጽላለይ ግሂዱ
ከመይ ዘይናፍቕ እናፍቕ እምበር
ማሙቕ ፍቕሪ ብዘይ ሓድጊ ኸይዱ
ኣተንፊሰ'ኳ ኣይከኣልኩን
ዓቕሊ ኣጽቢበ ጽላለይ ግሂዱ
ኣለኹ'ባ በልኒ ኣበይ ህላወኺ
ኣብ ዓይንኺ ክርእዮ ሓጎስኪ 'ኹን ቃንዛኺ
'ቲ ኽልቴና ንፈልጦ ትብህግዮ ቐሪበ
ኣብ ትጽቢት ተዓኒደ ብተስፋ እነኹ 'ጽበ
ብተስፋ እነኹ 'ጽበ
ናፍቖት ሕሱም'ዩ ዘሳጺ ዝሕምስ
ኣብ ውሽጠይ ነጊሱ ህይወተይ ክርምስ
ልበይ ካብ ዝገይሽ ካብ ዝቕይር ዓለም
ግዚያት ሓሊፉ ካብ ዝስእን ሰላም
ግዚያት ሓሊፉ ካብ ዝስእን ሰላም

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists