Kishore Kumar Hits

Temesghen Yared - Xegem Yelen lyrics

Artist: Temesghen Yared

album: Xegem Yelen (Eritrean Music)


ጸገም የለን እወ ጸገም የለን ጸገም የለን
ጸገም የለን ዘይልመድ የለን
ጸገም የለን ሓፍተይ ጸገም የለን
እምቢታኺ ንሰናይ እንደኣሉ እንደኣሉ
ኣይምሰልኪ ይኽእሎ'የ ኹሉ
እንተመጽአ ክፍኣትኪ ሓይሉ
ተመስገን ተመስገን ኢያ ቃለይ ኣምላኸይ ኣሚነ
ባህረይ ኣይልውጥን ብኣኺ ተዳንየ
እቲ ዕቡይ 'ቲ ዕቡይ መልስኺ ንድሕሪት ወንዚፈ
ከነጽር ራኢየይ ንቕድሚት ሓሊፈ
ጸገም የለን ክበጽሖ'የ ንስግር
ጸገም የለን ሓሳበይ ከስምር
ፍረ ጻዕረይ'ዩ ንጸላም ዘርፍድ
ቅዱስ ሕልመይ ዘግህድ
ፍረ ጻዕረይ'ዩ ንጸላም ዘርፍድ
ቅዱስ ሕልመይ ዘግህድ
ጻዕሪ 'ዚ ኣመላ ዘይሕለላ ነብሰይ
መልስኺ ኽትጽበ 'ተበለት ዓንከይከይ
ሰበብኪ ደንቀሎ ወረይ እንክንዛሕ
ሃዲእኪ ረኣዪ ብኣንጻሩ'ዩ ጽባሕ
ሃዲእኪ ረኣዪ ብኣንጻሩ'ዩ ጽባሕ
ኣፍኪ እንተረምጠጥኪ ጸገም የለን
ገጽኪ እንተኸላእኪ ሓፍተይ ጸገም የለን
ሕማቕ 'ተመለስኪ ጸገም የለን
ልብኺ እንተርሓቕኪ ጸገም የለን
ኣይራገምን ብዘራግም ጠባይኪ
ምናልባት 'ተኾንኪ ጽባሕ ዘይንስኺ
ኣይራገምን'የ ብዘራግም ጠባይኪ
ምናልባት 'ተኾንኪ ጽባሕ ዘይንስኺ
ተመስገን ተመስገን ኢያ ቃለይ ኣምላኸይ ኣሚነ
ባህረይ ኣይልውጥን ብኣኺ ተዳንየ
እቲ ዕቡይ 'ቲ ዕቡይ መልስኺ ንድሕሪት ወንዚፈ
ከነጽር ራኢየይ ንቕድሚት ሓሊፈ
ጸገም የለን ክበጽሖ'የ ንስግር
ጸገም የለን ሓሳበይ ከስምር
ፍረ ጻዕረይ'ዩ ንጸላም ዘርፍድ
ቅዱስ ሕልመይ ዘግህድ
ፍረ ጻዕረይ'ዩ ንጸላም ዘርፍድ
ቅዱስ ሕልመይ ዘግህድ
ጻዕሪ 'ዚ ኣመላ ዘይሕለላ ነብሰይ
መልስኺ ኽትጽበ 'ተበለት ዓንከይከይ
ሰበብኪ ደንቀሎ ወረይ እንክንዛሕ
ሃዲእኪ ረኣዪ ብኣንጻሩ'ዩ ጽባሕ
ሃዲእኪ ረኣዪ ብኣንጻሩ'ዩ ጽባሕ
ኣፍኪ እንተረምጠጥኪ ጸገም የለን
ገጽኪ እንተኸላእኪ ሓፍተይ ጸገም የለን
ሕማቕ 'ተመለስኪ ጸገም የለን
ልብኺ እንተርሓቕኪ ጸገም የለን
ኣይራገምን ብዘራግም ጠባይኪ
ምናልባት 'ተኾንኪ ጽባሕ ዘይንስኺ
ኣይራገምን'የ ብዘራግም ጠባይኪ
ምናልባት 'ተኾንኪ ጽባሕ ዘይንስኺ
ግን ሓደራ ኸምኡ ኣይትኹኒ
ኣነስ ኣቢለ ናብ ትሕሸኒ
መን ከማይ ኢልካ ነብስኻ ምቕዳም
ኣይትልመድዮ ኣይትልመድዮ ውድቀት'ዩ ዝዕድም
ኣይትልመድዮ ኣይትልመድዮ ውድቀት'ዩ ዝዕድም
በደል ናይቲ ኣዳም እዝጊ'ኳ ዝሓድግ
ሕጉ እናፍረስና ምሕረትና ዝብህግ
ኣነ ግዳ ፍጡር ከማኺ ሓላፊ
ኣብዛ ዓለም ዘይኮንኩ ተራፊ
ጸገም የለን ኣብ ትብደልሉ ክኾነልኪ'የ ዕጽፊ
ግን ሓደራ ኸምኡ ኣይትኹኒ
ኣነስ ኣቢለ ናብ ትሕሸኒ
መን ከማይ ኢልካ ነብስኻ ምቕዳም
ኣይትልመድዮ ኣይትልመድዮ ውድቀት'ዩ ዝዕድም
ኣይትልመድዮ ኣይትልመድዮ ውድቀት'ዩ ዝዕድም

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists