Kishore Kumar Hits

Temesghen Yared - Libey Rekibe lyrics

Artist: Temesghen Yared

album: Aymenwekn'ye (Eritrean Music)


ኣብዚ ዘመን መምዘኒ ሰብ
ሃብቲ ምስ ኮነ መዐቀኒ
ወሰን ወሰን ምኻድ ጀሚረ
ኣግሊለ ካብ ሕምብርቲ ፍቕሪ
ከምይለኸ ክሓልሞ
ናፈለጥክዋ ዛነብሰይ
ምስ ፈቃር ልበይ ከለኹ
ተዳሂለ ኣድኒነ ርእሰይ
ተዳሂለ ኣግሊለ ነብሰይ
ምስ ስእነተይ ጥራይ ምስ ኮነ ዕላለይ
ፍቕሪ ርሒቑኒ ምስ ደኸመ ሓይለይ
ንውሽጠይ መርሚሩ ኣምላኽ ደንጊጹለይ
ብየማናይ ኢዱ ቆንጆ ለጊሱለይ
ቆንጆ ረኺበ
ገንዘብዩ ነጊሱ
ኣብ ምድሪ ናተባህለ
ብድድ ኢሉ ፍቕሪ
ኣብ ቤተይ ደበለ
'ታ ደማቕ ፍዮሪ
ህያብ ናይ ፈጣሪ
ጽምዋይ ቀቲላስ
ኣውዒላቶ ኣብ ቀብሪ
ጽምዋይ ቀቲላስ
ኣውዒላቶ ኣብ ቀብሪ
ልብን እምነትን ከፊላ
ዘይውዳእ ፍቕሪ ኽትከስብ
ወርቅን ብሩርን ከይበለት
ልቢ ኣሚና ትለግብ
ብዘይካ ኣፍቂራ ክትፍቀር
ዋጋን ዓስብን ዘይትጽበ
ሰብያ ንኽብላ ዘይደፍር
ትድህሰስ መልኣኽ ረኺበ
ኣብዚ ዘመን ተፈጢራ
ሓይሊ ዘመን ዝሰበረት
ክልተ ዝብልሑ ሴፍ ኮይና
ዓይኒ ንዋይ ዘዐወረት
ናይ ደለይቲ ፍቕሪ ተስፋ
ናይ ህላወ ፍቕሪ ተምሳሌት
ናይ ረብሓ ባንዴራ ኣውሪዳ
ኣርማ ፍቕሪ ዝሰቐለት
ኣብዚ ዘመን ገንዘብ ገንዘብ
ሃብቲ ምስ ኮነ መዐቀኒ
ወሰን ወሰን ምኻድ ጀሚረ
ኣግሊለ ካብ ሕምብርቲ ፍቕሪ
ከምይለኸ ክሓልሞ
ናፈለጥክዋ ዛነብሰይ
ምስ ፈቃር ልበይ ከለኹ
ተዳሂለ ኣድኒነ ርእሰይ
ተዳሂለ ኣግሊለ ነብሰይ
ምስ ስእነተይ ጥራይ ምስ ኮነ ዕላለይ
ፍቕሪ ርሒቑኒ ምስ ደኸመ ሓይለይ
ንውሽጠይ መርሚሩ ኣምላኽ ደንጊጹለይ
ብየማናይ ኢዱ ቆንጆ ለጊሱለይ
ልበይ ረኺበ
ገንዘብዩ ነጊሱ
ኣብ ምድሪ ናተባህለ
ብድድ ኢሉ ፍቕሪ
ኣብ ዙርያይ ደበለ
'ታ ደማቕ ፍዮሪ
ህያብ ናይ ፈጣሪ
ጽምዋይ ቀቲላስ
ኣውዒላቶ ኣብ ቀብሪ
ጽምዋይ ቀቲላስ
ኣውዒላቶ ኣብ ቀብሪ
ልብን እምነትን ከፊላ
ዘይውዳእ ፍቕሪ ክትከስብ
ወርቅን ብሩርን ከይበለት
ልቢ ኣሚና ትለግብ
ብዘይካ ኣፍቂራ ክትፍቀር
ዋጋን ዓስብን ዘይትጽበ
ሰብያ ንኽብላ ዘይደፍር
ትድህሰስ መልኣኽ ረኺበ
ኣብዚ ዘመን ተፈጢራ
ሓይሊ ዘመን ዝሰበረት
ክልተ ዝብልሑ ሴፍ ኮይና
ዓይኒ ንዋይ ዘዐወረት
ናይ ደለይቲ ፍቕሪ ተስፋ
ናይ ህላወ ፍቕሪ ተምሳሌት
ናይ ረብሓ ባንዴራ ኣውሪዳ
ኣርማ ፍቕሪ ዝሰቐለት
ክብል ክብል ቆንጆ ረኺበ
ክብል ክብል ቆንጆ ኸሲበ
ክብል ክብል ልበይ ረኺበ
ክብል ክብል ልበይ ረኺበ
መከራ ኣብቂዑ ማእሚእዋ ነብሰይ
ሕማመይ ሃዲሙ ምስ ተረኽበት ፈውሰይ
ዳግማይ ተወሊደ ኣብዛ እንኮ ምፍጣር
ቅድሚ ሞት ኣብ ገነት ኣሎባ'ዩ ምንባር
ብርሃንን ጸላምን ስለ ዘይሓብሩ
ፍቕሪ ምስ ወረሮ ሕማመይ በሪሩ
ፍቕሪ ዝወለዶ መቐረት ወኒነ
ማዕረ ደበስ እዮብ ተደቢሰ ኣነ
በቃ ሕሉፍ ከም ምሕላፉ
በቃ ሓሊፉ ተሪፉ
በቃ ሎሚ ኻልእ ኮይኑ
በቃ ሓዘነይ ዓሪፉ
በቃ ያስሚን ተኸቢበ
በቃ ለሰ ኾይኑ ቕድመይ
በቃ ድምቕምቕ ኢላያ
በቃ ገሪማ ዓለመይ
ክብል ክብል ቆንጆ ረኺበ
ክብል ክብል ቆንጆ ኸሲበ
ክብል ክብል ልበይ ረኺበ
ክብል ክብል ልበይ ረኺበ
መከራ ኣብቂዑ ማእሚእዋ ነብሰይ
ሕማመይ ሃዲሙ ምስ ተረኽበ ፈውሰይ
ዳግማይ ተወሊደ ኣብዛ እንኮ ምፍጣር
ቅድሚ ሞት ኣብ ገነት ኣሎባ'ዩ ምንባር
ብርሃንን ጸላምን ስለ ዘይሓብሩ
ፍቕሪ ምስ ወረሮ ሕማመይ በሪሩ
ፍቕሪ ዝወለዶ መቐረት ወኒነ
ማዕረ ደበስ እዮብ ተደቢሰ ኣነ
በቃ ሕሉፍ ከም ምሕላፉ
በቃ ሓሊፉ ተሪፉ
በቃ ሎሚ ኻልእ ኮይኑ
በቃ ሓዘነይ ዓሪፉ
በቃ ያስሚን ተኸቢበ
በቃ ለሰ ኾይኑ ቕድመይ
በቃ ድምቕምቕ ኢላያ
በቃ ገሪማ ዓለመይ
ክብል ክብል ቆንጆ ረኺበ
ክብል ክብል ቆንጆ ኸሲበ
ክብል ክብል ልበይ ረኺበ
ክብል ክብል ላዛ ረኺበ
ክብል ክብል ቆንጆ ረኺበ
ክብል ክብል ቆንጆ ኸሲበ
ክብል ክብል ቆንጆ ኸሲበ
ክብል ክብል ልበይ ረኺበ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists