Kishore Kumar Hits

Temesghen Yared - Seseney lyrics

Artist: Temesghen Yared

album: Aymenwekn'ye (Eritrean Music)


ሰሰነይ ክቐስን ካብ ቃንዛ ሕልናይ ክድሕን
ሰሰነየ ክረግእ ከም ቀደመይ እባ ክኸውን
ሕደግለይ ቂምታኺ ይቕረ እኹንካ በልኒ መሓርኒ
ይቕረ እኹንካ በልኒ ተቐበልኒ
እቲ ሕማቕ ነገሩ ንፋስ ከይነፍስ
ሰብ'ውን ከይሕወሶ ነገርና ዘጧቑስ
ብዋዛ ብዋዛ ቂምታኺ ከይናኸስ
ገዲፈልካ በልኒ ሰሰነይ መሓርኒ
ገዲፈልካ በልኒ ገዲፈዮ ኻብ ልቢ
ክሓብኦ ኣይፈተንኩን ካባኺ ከዊለ
ባዕለይ ተናዚዘ እርይ ቁጽር ኣቢለ
ተሓቢእካ ትገብሮ መሬት ከም ትነግሮ
ምስጢር ስለ ዘየለ ካባኺ ዝቐብሮ
ኑዛዜይ ሰሚዕኪ ኣይትትረርኒ
ስቕ እባ ኣይትበሊ እናሓተትኩ ይቕረ
የፍርሓኒ እንድዩ ጽባሕ ልብኺ ምስ ተረረ
ሰብ ኢኻ በልኒ ፍጡር ዓጽመ-ስጋ
ትስሕት ትጋገ ትወድቕ ናብ ሓደጋ
ሰብ ኢኻ በልኒ
ይቕረ እኹንካ መሓርኒ
ሰሰነይ ክቐስን ካብ ቃንዛ ሕልናይ ክድሕን
ሰሱየ ክረግእ ከም ቀደመይ እባ ክኸውን
ሕደግለይ ቂምታኺ ይቕረ እኹንካ በልኒ መሓርኒ
ይቕረ እኹንካ በልኒ ተቐበልኒ
ላላላላላ ኡሁ
ሕርኽርኽ ዝብለኪ ቂምታ ተሎ ልብኺ
ዝቐስን ኣይኮንኩን ከይጸረየ ልብኺ
ኣይትደጉልዮ በሊ ተዛረቢ
ጽባሕ ከይልዓል ምስ ኩራ ሕርቃንኪ
ከም ቀደምኪ ኩኒ ኣይትኸባብድኒ
ስቕ እባ ኣይትበሊ እናሓተትኩ ይቕረ
የፍርሓኒ'ዩ ጽባሕ ልብኺ ምስ ተረረ
ሰብ ኢኻ በልኒ ፍጡር ዓጽመ-ስጋ
ትስሕት ትጋገ ትወድቕ ናብ ሓደጋ
ሰብ ኢኻ በልኒ
ይቕረ እኹንካ መሓርኒ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists