Kishore Kumar Hits

Temesghen Yared - Nikebaber lyrics

Artist: Temesghen Yared

album: Aymenwekn'ye (Eritrean Music)


ግዲ ተበዲለ ኣማሪረ ኾይነ
ይቕረ እናበልክኒ ቃልኪ እናለመነ
ኪዲ ከይብለኪ በየነይቲ ዓቕመይ
ሕራይ ከይብለኪ ፈሪሓ 'ታ ነብሰይ
ማእከል ተቐርቂረ መልሲ ስኢነያ
ኣፈይ ንኸይከፍት ንትም መሪጸያ
ግዲ ተበዲለ ኣማሪረ ኾይነ
ይቕረ እናበልክኒ ቃልኪ እናለመነ
ኪዲ ከይብለኪ በየነይቲ ዓቕመይ
ሕራይ ከይብለኪ ፈሪሓ 'ታ ነብሰይ
ማእከል ተቐርቂረ መልሲ ስኢነያ
ኣፈይ ንኸይከፍት ንትም መሪጸያ
እዚ ኹሉ ነቢዐ ተደቢረ ኽልምነኪ
ሕሉፍ ትዕቢት ኔርኪ ምሽ ተሽካዕልልለይ ኔርኪ
ሕጂ ምስ መሰየ ምስ ዓረበ ጸሓይ
ተስፋይ ምስ ጸልመተ ምስ ዓወረ ሰማይ
ኢኺ ትደሃይኒ ዘለኺ እናበልኩ ኦሮማይ
እዚ ኹሉ ነቢዐ ተደቢረ ኽልምነኪ
ሕሉፍ ትዕቢት ኔርኪ ምሽ ተሽካዕልልለይ ኔርኪ
ሕጂ ምስ መሰየ ምስ ዓረበ ጸሓይ
ተስፋይ ምስ ጸልመተ ምስ ዓወረ ሰማይ
ኢኺ ትደሃይኒ ዘለኺ እንዳበልኩ ኦሮማይ
ኣብቲ ዝፈተንክዮ ኣሃሃ ሃሃሃ ምቕናዕ ድዩ ኣብዩኪ?
ወይስ ሉጓም ኮይኑ ኣሃሃ ፍቕሩ መሊሱኪ?
ከማይ ዲኺ ስኢንኪ ቸይቸይ ዘብለኪ?
ተመሊስኪ መጺኽኒ ፍቕሩ ውሒዱኪ
ጨኪነ ኣይክእሎን'የ ብፍላይ ኣባኺ
እንድዒ ሕጂ ግን እንድዒ እስተረኪ
እዋ... ሃ... ኣሃሃሃ
ውሽጡ ዝሓረረ ዝበሰለ ልቢ
ሓሲቡ መርሚሩ ከይብለኪ እምቢ
ከይብለኪ እምቢ
ከይብለኪ እምቢ
ከይብለኪ እምቢ
እታ መልሲ ኣይፈልጣን'የ ጊዜ'ባ ሃብኒ
ክማኸር ምስ ነብሰይ ልበይ ከይጸልኣኒ
ኣይትንብዒ ኣብ ቅድመይ ፍቕረይ ግደፍኒ
ክማኸር ምስ ነብሰይ መርመራ ኢኺ ሂብክኒ
ግዲ እቲ እሾኽኪ ጥዒመዮ
ሕጂ ፍዮሪኺ ፈሪሀዮ
ግዲ እቲ ዕረኺ ጥዒመዮ
ሕጂስ ወለላኺ ፈሪሀዮ
ግዲ ወጊእኽኒ ዋ.ሃ. እቲ እሾኽኪ ጥዒመዮ
ጻውዒት ፍቕርኺ ፍዮሪኺ ፈሪሀዮ
እታ መልሲ ኣይፈልጣን'የ ጊዜ'ባ ሃብኒ
ክማኸር ምስ ነብሰይ ልበይ ከይጸልኣኒ
ኣይትንብዒ ኣብ ቅድመይ ፍቕረይ ግደፍኒ
ከጽንዕ ምስ ነብሰይ መርመራ ኢኺ ሂብክኒ
ግዲ እቲ እሾኽኪ ጥዒመዮ
ሕጂስ ፍዮሪኺ ፈሪሀዮ
ግዲ እቲ ዕረኺ ጥዒመዮ
ሕጂስ ወለላኺ ፈሪሀዮ
ግዲ ወጊእኽኒ ዋ.ሃ. እቲ እሾኽኪ ጥዒመዮ
ጻውዒት ፍቕርኺ ፍዮሪኺ ፈሪሀዮ
ግዲ ወጊእኽኒ ዋ.ሃ. እቲ እሾኽኪ ጥዒመዮ
ጻውዒት ፍቕርኺ ፍዮሪኺ ፈሪሀዮ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists