Kishore Kumar Hits

Kaleab Teweldemedhin - Tifqrina lyrics

Artist: Kaleab Teweldemedhin

album: Tifqrina


ሰፈር ፍቕሪ ናይ እምነት ማዕከን
ዝያዳይ'ኻ ሕልፊ ትምዘን
ካባኻ እንድየ ኩሉ ረኺበ
ክንእደካስ ነይብል ረብሪበ
ሰብ ኮይነ ቀሲነ
'ታይ ግደይ... 'ታ ኣነ
ኣ...
ደርጎስ ክብል ኣብቲ በይነይ
ፋኑስ ፍቕሪ ኣብሪህክለይ
መልስስኺ ዝፋነይ ወለል ወለላይ ወለሎ
ዕጋበት በይነይ ዘለል ዘለል ወለሎ
ሕጂ'ዶ ከይጎድለኒ ገለ
ቃሕታይ ህይወት ምስ መቀረ
ቃናኻ ልበይ ደበሰረ
ጽምዋ'ሞ ከምዛ ዘይነበረ
ኣዳም ገረሞ መልክዕ ቁም-ነገር ውህበትኪ
ሰርቢ እምነትካ ልበይ መሊኡ ዘይንኪ
ኣያ ልበይ'ኻ
ንግስተይ'ኺ
ጥዑም ምሳኻ
ምቾት ምሳኺ
ሰይ 'ቲ ፍቕርና
'ቲ ላዛና
ሰይ 'ቲ እምነትና
ሰይ ሰይ
መቂርኒ እምበር (ሰይ 'ቲ ፍቕርኻ) ኣቤት ክትክእሎ
ፈዋሲየይ (ሰይ 'ቲ ላዛኻ) ምሳኻ ዘሎ
መዕረፊት ዓይነይ ሃዳኒት ቀልቢ
ማንታ 'ታ ጸሓይ ጎበዝ ትሰልቢ
ዓበድኩልኪ 'ምበር ለይለይ ኣነስ ስጋኺ
ሱቕ ኢለ እግረም ናተይ ከለኺ
ሓዴና ዒላ ሓደ ፈልፋሊ
ጥምረት ክልቴና መን'ዩ ዝፈሊ
ሓዴና ዓይኒ ሓዴና ኹሕሊ
ዓንዲ እምነትና የለን ነቓሊ
ሓዴና ሰማይ ሓዴና ሰርቢ
ውህደት ክልቴና ሰብ ኣዛራቢ
ሓዴና??? ሓዴና ቐልቢ
ዘፈር ፍቕርና የለን???
ከም ድላይኪ ኹኒ መዓረየ
ልበይ ንዓኻ እምበር 'ታይ ደልየ
ድላይኪ ኣዝዚ ሃሪረየ
ረኺበ ኣይሰኣንኩን ምቁረየ
መቀረት ልበይ (ሰይ 'ቲ ፍቕርኺ) ውነይ መለዓሊ
ፈዋሲየይ (ሰይ 'ቲ ላዛኺ) ኣቤት ደስ ክትብሊ
መዕረፊ ዓይነይ ሃዳኒ ቐልቢ
ማንታ 'ታ ጸሓይ ልበይ ሰላቢ
ማዕሙቕ ህያበይ ለይለይ ናይ ፍቕሪ ወኒ
ናተይ ከለኻ'ሲ ተሀንነኒ
ሓዴና ዒላ ሓደ ፈልፋሊ
ጥምረት ክልቴና መን'ዩ ዝፈሊ
ሓዴና ዓይኒ ሓዴና ኹሕሊ
ዓንዲ እምነትና የለን ነቓሊ
ሓዴና ሰማይ ሓዴና ሰርቢ
ውህደት ክልቴና ሰብ ኣዛራቢ
ሓዴና??? ሓዴና ቐልቢ
ዘፈር ፍቕርና የለን???
ከም ድላይኪ ኹኒ መዓረየ
ልበይ ንዓኻ እምበር 'ታይ ደልየ
ድላይኪ ኣዝዚ ሃሪረየ
ረኺበ ኣይሰኣንኩን ምቁረየ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists