Kishore Kumar Hits

Abraham Afewerki - Fishik Beli lyrics

Artist: Abraham Afewerki

album: Tesfaya Sinqey


ፍሽኽ በልኒ ቁሊሕ በሊ
ፍሽኽ በልኒ ቁሊሕ በሊ
ኣይተሳቕይኒ ሐራይ በሊ
ሃንደበት መገሻ መን ሓሳብ ሂቡኪ
ኣብ ገጽኪ ኣምቢበዮ ሚዛን ስምዒትኪ
ኣበይ'ሎ 'ቲ ዘይጸግቦ
ካብ ዓይነይ ዘይክወል ድሙቕ ፍሽኽታኺ
ተሃንጥየ መጽየኪ ከም ቀደም መሲሉኒ
ውዱእ ሓሳብ ኣምጺኺ ከም ጓና ጌርክኒ
ካብ ዘፍቀረ ልቢ እንታይ ከም ትጽበዪ
ምርዳእ ኣብዩኒ
ዓለም ዓለም ጎዶሎ'ያ
ዓለም ዓለም ጎዶሎ'ያ
ኣራኺባትና ክትሓሊ፡ኣፋቒራ ድማ ትፈላሊ
ማዕረ ይኸዳ ክልቲአን መልክዓ
ማዕረ ስቓይ ደስታ ሰሪዓ
ፍሽኽ በልኒ ቁሊሕ በሊ
ኣይተሳቕይኒ ፍሽኽ በልኒ
ሐራይ በሊኒ ፍሽኽ በሊ
ፍቕሪ ክልቴና ኣይተምክኒ
ምስንባት መጽዩ ናብራ ኾይኑ ኢልክኒ
ኣነ ክቐብጸኪ ዕድለይ ሂቡኒ
ይዝክሮ ቀደም ምስ ንብዓትኪ ክትብልኒ
ፍቕሪ'ዩ ወሳኒ!
ግን ዓለም ጎዶሎ'ያ ብህግቲ ክነሳ
ተፈጥሮኣ ኩሉ ኣለዎ ኣበሳ
ዕምባባ ጽገሬዳ'ኳ
እታ ትፈትውያ እሾኽ ኣሎ ኣብ ነብሳ
ዓለም ዓለም ጎዶሎ'ያ
ዓለም ዓለም ጎዶሎ'ያ
ኣራኺባትና ክትሓሊ፡ኣፋቒራ ድማ ትፈላሊ
ማዕረ ይኸዳ ክልቲአን መልክዓ
ማዕረ ጸልማት ብርሃን ወሊዓ
ፍሽኽ በሊኒ ቁሊሕ በሊ
ቁሊሕ በሊኒ ሕራይ በሊኒ
ኣይተሳቕይኒ ፍሽኽ በልኒ
ፍቕሪ ክልቴና ኣይተምክኒ
ነዊሕ ግዜ ብዙሕ ጸገማት ሰጊርና
እንታይ ቀይርዎ መንፈስ ናይ ርክብና
ባህሪኺ ኣይትቐይሪ
ፍሽኽታ ኣይትኽልእኒ ምእንቲ ፍቕርና
ዓቅሚ የለን ገነት ክማባጻዓልኪ
ናብራ ናይ ቀደምና ትፈልጥያ እንዲኪ
ፍቅሪ'ያ ዓቅመይ ናይ በሓቂ ፍቅሪ ሂወተይ ምሳኪ
ዓለም ዓለም ጎዶሎ'ያ
ዓለም ዓለም ጎዶሎ'ያ
ኣራኪባትና ክትሓሊ
ኣፋቂራ ድማ ትፈላሊ
መዓረ ይከዳ ክልቴኣን መልክዓ
መዓረ ኣቃይ ደስታ ሰሪዓ
ፋሽክ በልኒ ቁሊሕ በሊ
ፋሽክ በልኒ ቁሊሕ በሊ
ኣይተሳቂኒ ቁሊሕ በሊ
ሐራይ በልኒ ፍሽክ በሊ
ፍቅሪ ክልቴና ከይተምክኒ።

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists