Kishore Kumar Hits

Abraham Afewerki - Tesfa'ya Sinqey lyrics

Artist: Abraham Afewerki

album: Tesfaya Sinqey


ናይ ሎሚ ጽኑዕ ቆላሕታይ
ንዝመጽእ ኣሕሚቐ
ተጸሚመ ክምርሽ
ሽግ ናይ ተስፋ ወሊዐ
እወ ብዙሕ ተስፋ ኣለኒ
ዋላ ዓይነይ እንዳነብዐ
ኣብዛ ዓለም ብጽንዓት
እንታይከ ከይመጸኒ ኢለ
መሪር ጉዕዞ ሂወተይ
ኣነ ድሩት ክእለተይ
ተስፋ እያ ስንቀይ
ተስፋ እያ ስንቀይ
ሓቦ ቀለበይ
መሪር ጉዕዞ ሂወተይ
ኣነ ዉስን ዩ ዓቕመይ
ተስፋ እያ ስንቀይ
ተስፋ እያ ስንቀይ
ሓቦ ቀለበይ
ሰላም በልዋ
ተስፋ ሃብዋ
ሰላም በሉለይ
ተስፋ ሃቡለይ
ሕተቱለይ ሰብ ቅያ
ጽንዓት ንዝኣመኑ
ኣብ ዓለም ዘመስከሩ
ሂወት ተስፋ ምኻኑ
ኣብ ታሪኽ ጽኑዕ እምነት
ምጻሩ ዝሰልጠኑ
ንሶም ጸይሮማ ክብሪ
ራኢቶም ዘይምንኑ
እምነት ድራሮም
ተስፋ ዝስንቆም ሓቦ ቀለቦም
ሃርጋፍ ዓለም ሃብታማት
ዚ ተስፋ ዘይውንኑ
እምነት ድራሮም
ተስፋ ዝስንቆም ሓቦ ቀለቦም
ሰላም በልዋ
ተስፋ ሃብዋ
ተስፋ ንገሩለይ
ጸዋር ክትኮነለይ
ኣሽንካይ ሎሚ ግዳ
ሰላም ሰፊኑ ዘሎ
ቀደም እካ ሓሊፉ
ናብራ ሓሲሙ ከሎ
ኣብ ጭንቀት ተዋሒጠ
ዕድለይ ጸቢቡ ከሎ
ቃሕ ኢልካ ሰማይ ምድሪ
ረዳኢ ዘይመጾ ባሕሪ
ተስፋ ዝ ስንቀይ
ሓቦ ቀለበይ ኣሕሊፈዮ
ቋሕ ኢልካ ሰማይ ምድሪ
ረዳኢ ዘይመጾ ባሕሪ
ተስፋ ዝ ስንቀይ
ሓቦ ቀለበይ ኣሕሊፈዮ
ሰላም በልዋ
ተስፋ ሃብዋ
ተስፋ ንገሩለይ
ጸዋር ክትኮነለይ
ናይ ሎሚቅነ ቆላሕታይ
ንዝመፅእ ኣሕሚቐ
ተጸሚመ ክስጉም
ሽግ ናይ ተስፋ ወሊዐ
እወ ብዙሕ ተስፋ ኣለኒ
ዋላ ዓይነይ እንዳነብዐ
ኣብዛ ዓለም ብጽንዓት
እንታይከ ከይመጸኒ ኢለ
መሪር ጉዕዞ ሂወተይ
ኣነ ድሩት ክእለተይ
ተስፋ እያ ስንቀይ
ተስፋ እያ ስንቀይ
ሓቦ ቀለበይ
መሪር ጉዕዞ ሂወተይ
ኣነ ዉስን ዩ ዓቕመይ
ተስፋ እያ ስንቀይ
ተስፋ እያ ስንቀይ
ሓቦ ቀለበይ
ሰላም በልዋ
ተስፋ ሃብዋ
ኣጆኺ በሉለይ
ተስፋ ሃቡለይ
ዓብዪ ብልሓታታት ተስፋ
ጸገም ክምክተኒ
ካብ ውሽጢ ዝመጸ ሓይሊ
ክቕጽል ዝደፍኣኒ
ዓሚቕ ጸልማት ከለኹ
ጩራ ተስፋ ይመርሓኒ
በይነይ ከለኹ ጽምዋ
ኣብ ፊተይ ይመስለኒ
ተስፋ እዩ ስንቀይ
ተስፋ እዩ ሓይለይ
ሓቦ ቀለበይ
መሪር ጉዕዞ ሂወተይ
ኣነ ድሩት ክእለተይ
ተስፋ ዝ ስንቀይ
ተስፋ እያ ስንቀይ
ሓቦ ቀለበይ
ተስፋ በሉለይ
ጸዋር ክትኮነለይ
ተስፋ እመኒ
ሓያል ሰብ ክትኮኒ
ነዊሕ ግዜ መከራ
እንታይ ሒዝካ ኣሕሊፍካዮ
ጉዕዞ ናይ ዓቕሊ ጋና
መን ኣሚንካ ከይድካዩ
ሓወይ ብስራት ናይ ሰላም
ታይ ዓጢቕካ ኣምጺእካዮ
ኣብቲ ድሩት ክእለተይ
ጽኑዕ ኮይኑ እምነተይ
ተስፋ ዝ ስንቀይ
ተስፋ እያ ስንቀይ
ሓቦ ቀለበይ
መሪር ጉዕዞ ሂወተይ
ኣነ ዉስን ዩ ዓቕመይ
ተስፋ እያ ስንቀይ
ተስፋ እያ ስንቀይ
ሓቦ ቀለበይ
ሰላም በልዎ
ተስፋ ሃብዎ
ሰላም በልዎ
ተስፋ ሃብዎ
ተስፋ በሉለይ
ጸዋር ክትኮነለይ
ተስፋ ሃብዋ
ሰላም በልዋ
ኣጆኺ በልዋ
ተስፋ ሃብዋ
ሰላም በሉለይ
ተስፋ ሃቡለይ
ሰላም በሉለይ
ተስፋ ሃቡለይ
ኣጆኺ በልዋ
ተስፋ ሃብዋ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists