Kishore Kumar Hits

Abraham Afewerki - Deki Erey (Emni'are) lyrics

Artist: Abraham Afewerki

album: Hadera


ኣብ ዘለና ሊና
ተራኽብና ተዘርዚሩ
ብዘይውዳእ ፈትሊ
ሓደ ኩኑ ኢልክና
ሰቲናዮ ተመኒኻ
ዘይርከብ ማይ ፍቕሪ
ስቓይ ተፈቲንና
ተሰኪምና ንዘላኣለም
ዘይወርድ ሕድሪ
ከም ሓደ ክንሓስብ
ከም ሓደ ክንሰርሕ
እትገብሪ
ኣለናልኪ ሃገረይ ክበሪ
ኣብቲ ሕማቕ ጊዜ
ኣብቲ ጸገም
ኣብቲ እዋን ሓሳረ መከራ
ኣብቲ ጊዜ ሰላም
ኣብቲ ራህዋ ኣብቲ ጠሊ
ኣብ ርቡሕ ኣዝመራ
ኣብ ዘለኩ'ሌ
ኣላትኒ ብመንፈሳ አተማሙቕ ስድራ
ይሕሰም ይጥዓም
ጊዜ ይቕረብ ይርሓቕ
ኣብ ዝኾነ ስፍራ
መንፈስካ ኣሎ ህዝቢ ናይ ኤርትራ
ኣብ ጅግንነት ኣብ ግንባር ዘለኹም
ኣብ መዓስከር ኣብ ድፋዕ ዘለኹም
ኣብ ከተማ ኣብ ገጠር ዘለኹም
ኣብ ወጻኢ ኣብ ስደት ዘለኹም
ኣብ ኢትዮጵያ ትጋፍዑ ዘለኹም
ፈቐድኡ ኣብ ማሕዩር ዘለኹም
ልግዐ ኤርትራ
ልበይ ቀልበይ ኮይኑ'ሎ ምሳኹም
ይመስገኖ ምፍጣረይ ካባኹም
ፍቕሪ'ዶ ክብለኩም ኣቤት በሉ
ጽንዓት ክሰምየኩም ኣቤት በሉ
ኒሕ ኢለ'የ ሰምየኩም ኣቤት በሉ
ጅግንነት ክብለኩም ኣቤት በሉ
ልግሲ'ዶ ክብለኩም ኣቤት በሉ
ሓቂ እንተበልኩኹም ኣቤት በሉ
ኤረይ ደይብለኩም
ኤርትራ ክብለኩም ክንዲኹሉ
ትርጉም መንነትና ብጥቕልሉ
ኣብ ዘለና 'ሊና
ተራኽብና ተዘርዚሩ
ብዘይውዳእ ፈትሊ
ሓደ ኩኑ ኢልክና
ሰቲናዮ ተመኒኻ
ዘይርከብ ማይ ፍቕሪ
ስቓይ ተፈቲንና
ተሰኪምና ንዘላኣለም ዘይወርድ ሕድሪ
ከም ሓደ ክንሓስብ
ከም ሓደ ክንሰርሕ እትገብሪ
ኣለናልኪ ሃገረይ ክበሪ
ኣብቲ ሕማቕ ጊዜ
ኣብቲ ጸገም
ኣብቲ እዋን ሓሳረ መከራ
ኣብቲ ጊዜ ሰላም
ኣብቲ ራህዋ ኣብቲ ጠሊ
ኣብ ልሙዕ ኣዝመራ
ኣብ ዝኸድኩ ከይደ
ኣላትኒ ብመንፈሳ
አተማሙቕ ስድራ
ይሕሰም ይጥዓም
ጊዜ ይቕረብ ይርሓቕ
ኣብ ዝኾነ ስፍራ
መንፈስካ ኣሎ
ህዝቢ ናይ ኤርትራ
ሰብ ቀደም ኢሎሞ ንፈጣሪ
ካብ ንኣምኖ ሓልወና እምበሪ
ንጸላኢስ ፈጢርካ ኢኻ በትሪ
ጥልመት ስንቆም ንጹሃን ዝዓንተረ
መንነትና ካብ እንካብ ጠዓሞም ዕረ
ክንሰግሮ አና ክንደይ ዘይተሰግረ
ዕጅብ ኣይበልኩም
ኣባይኩም ይደፈን ደቂ ኤረይ
ይመስገኖ ካባኹም ምፍጣረይ
ንራኸብ ክብሉዎም ንዝዓስሉ
ንበገስ ክብሉዎም ዝግንፍሉ
ንወሰኽ ክብሉዎም ዝኹምሩ
ሰላም ኢሎም ቤተይ ኣብ ጸላለይ
ሰላም'ያ ቃለይ ሰላም'ያ እምነተይ
ሰላም ባህገይ ስላም'ያ ትምኒተይ
ይኣክለኒ ስቓይ ንዝበለ ህዝቢ ምትንኻይ
ሓደገኛ'ዩ ብሓዊ ምውዛይ
ዝመጸ ይምጻእ ከፍአ ጸበቐ
ሓቂ ዕጥቅይ ሓድነት ሰኒቐ
ኤረ ዓደይ ሳላኺ ሟሚቘ
እነሀኹ ብፍቕሪ ሟሚቘ
ኤረየ ኣሰየ
ኤረየ ኣሰየ
ቅዱስ ህያው ፍጡር ሕብሪ ዓይነይ
መንነተይ ክብረተይ ሓበነይ
ሰነፍ ኣባይ ጌርዎ ገበነይ
ጸጋ እንድዩ ዜጋኺ ምዃነይ
ዓደየ ኤረየ
ኣሰየ ኤረየ
ሓድነትኩም ጽኑዕ'ዩ ከም ዓረ
ክንሰግሮ አና ክንደይ ዘይተሰግረ
ኣባይኩም ይደፈን ደቂ ኤረ
ይመስገኖ ካባኹም ምፍጣረይ
ኣሰየ ደቂ ዓደየ
ኣሰየ ደቂ ኤረየ
ኣብ ጅግንነት ኣብ ግንባር ዘለኹም
ኣብ መዓስከር ኣብ ሳዋ ዘለኹም
ኣብ ከተማ ኣብ ገጠር ዘለኹም
ልበይ ቀልበይ ኮይኑ'ሎ ምሳኹም
ኣሰየ ደቂ ዓደየ
ኣሰየ ደቂ ኤረይ
ኣሰየ ኣሰና
ኣሰየ ኤረየ
ኣሰየ ኣሰና
ኣሰየ ኤረየ
ኣሰየ ኣሰና
ኣሰየ ኤረየ
ዓደየ ኣሰየ ኣሰና
ኣብ ጅግንነት ኣብ ግንባር ዘለኹም
ኣብ መዓስከር ኣብ ሳዋ ዘለኹም
ኣብ ከተማ ኣብ ገጠር ዘለኹም
ልበይ ቀልበይ ኮይኑ'ሎ ምሳኹም
ደቂ ዓደ'የ
ደቂ ኤረይ
ኣሰየ ኤረ ዓደይ'የ
ሓድነትኩም ጽኑዕ'ዩ ከም ዓረ
ክንሰግሮ አና ክንደይ ዘይተሰግረ
ኣባይኩም ይደፈን ደቂ ኤረይ
ይመስገኖ ካባኹም ምፍጣረይ
ኣሰየ ደቂ ኤረየ
ኣሰየ ኤሩ ዓደይ'የ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists