Kishore Kumar Hits

Abraham Afewerki - Mistir Fikri lyrics

Artist: Abraham Afewerki

album: Hadera


ኮዋኽብቲ ቀትሪ ምስ ማዕርገን
ብርሃን ከዊልኒ ንኸይርኢየን
ክትመጻእ ኮኾበይ ክጽበያ
ማሕትኣ ጠሚተ ከለልያ
ኣበይ ኮን ትህሉ መጎዕዝተይ
ትሳማምዓኒ
ራሕሲ ንመንፈሰይ ግርማ ሂወትይ
ድራር ውን ንዓይኒ
ከማይ ከማይ
በይነየ ትብለኒ
ከማይ ከማይ
በይነየ ትብለኒ
እንተ መቅልካዮ ንስቃይ
ይኾነልካ ፍርቂ መስለኒ
እንተመቅልካዮ ንፍቅሪ ግን
ይኾነልካ ዕጽቢ ኢሎምኒ
ኣበላ እታ ናተይ መማቅልተቲ
ትሳማምዓኒ
ካልአይቲ ክንፊ ናይ ሓንቲ ዑፍ
ኮይና ተብርረኒ
ከማይን ከማይን ዝመስላ ትደሊ
ከማይ ከመይ በይነየ ትብለኒ
ምስጢር ፍቅሪ
ምስጢር ፍቅሪ
መን መላሲ መን ሓታቲ
ስኢነሉ መማኽርቲ
ባህሊ ድዩ ወይስ ባህሪ
ቃልኪዳን ድዩ ወይስ ፍቅሪ
ዘልኣለም ጠማሪ
ንጎሩኒ ንጎሩኒ
ንጊሩኒ እንተሊኹም
ዘይውዳእ ፍቅሪ ዘለኩም
እንተ ብጥፋእተይ እንተ ተበዲለ
ክቅምስል ሪአዮ በቂሉ ምስ በሰለ
ፍቅርና ኣንበልበለ
ንጎሩኒ ንጎሩኒ
ንጎሩኒ እቲ ብልሓትኩም
ዘይውዳእ ፍቅሪ ዘለኩም
ባህሊ ድዩ ወይስ ባህሪ
ቃልኪዳን ድዩ ወይስ ፍቅሪ
ዘልኣለም ጠማሪ
ምስጢር ፍቅሪ
ምስጢር ፍቅሪ
ርኾቡለይ መን ሓታቲ
ስኢነሉ መማኽርቲ
ኣንቃዕ በዚሐዎ
ፍቅሪ ጸዊዐሞ
ነቲ ዘሳቅየኒ
በይነይ ከፊኡኒ
ምስጢር ፍቅሪ
ምስጢር ፍቅሪ
መን መላሲ መን ሓታቲ
ስኢነሉ መማኽርቲ
ንጎሩኒ ንጎሩኒ
ንጎሩኒ እነተሊኩም
ዘይውዳእ ፍቅሪ ዘለኩም

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists