Kishore Kumar Hits

Abraham Afewerki - Ente-Tetaiski lyrics

Artist: Abraham Afewerki

album: Semai


እንተተጣዒስኪ
ፍቅረይ ናተይ ሓላለይ (2)
ካብ'ዚ ኩሉ ጽቡቀይ
ረኺብኪ ሓንቲ ጌጋ
ጉድ እምበር ተረኺቡ
ቀቢጽክኒ ብኣጋ
እንድዕሉ በጃኺ እንድዕሉ (2)
ምኽኣል ድየ ስኢነዮ
ወይስ ምኻን ኣብዩኒ
ዝዓኾኸ ፍቅሪ
ካብ ኢደይ ሞሊቁኒ ።
ደቒቕ ደቒቕ ሃለዋተይ
ትሓቲ ከምዘይነበርኪ
ከይረኣኽኒ እንተውዒልኪ
ትሓሚ ከምዘይነበርኪ
ፍቅሪ ዝቀለበይ:
ፍቅሪ ዝቀለብኪ
መተካእቲ ፍቅሪ
እንታይ መግቢ ረኽብኪ
እንታይ የእቲኽሉ
ሎምስ እቲ ለዋህ ከብድኺ
እንታይ መሊእክዮ
ሓላል እቲ ባህሪ ልብኺ
ኣንቲ ፍቅረይ ኣንቲ ቦቅባቅ ከብዳ
እታ ልብኽስ ጌራ ዘይልማዳ (2)
ኣይፍለጥን'ዩ ጽባሕ እንተተጣዒስኪ
ኣይፍለጥን'ዩ ወዝቢ እንተተመሊስኪ
ኣብ'ታ ጽምዋ ሰፈር ኣብ'ኣ ኣለኹልኪ
ኣብ'ታ ዝገደፍክኒ ኣብ'ኣ ኣለኹልኪ
ኣብኣ ኣለኹልኪ (2)
ኣበይ'ሞ ከይከይድ በየን ዕድለይ
እታ ናብራይ ትፈልጥያ እስኺ ልዕለይ (2

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists