Kishore Kumar Hits

Abraham Afewerki - Kem Zdelenayo Diyu lyrics

Artist: Abraham Afewerki

album: Semai


እወ ንፋቶይና ግን ኣመናን'ዶ
በዚሑ ዘይምስናይ
ክንደቕ ክፈርስ ኳና ፍቕሪ
ኣንዊሕልና ስቓይ
እሞ ንስኣበሎ መመሊስንና
ዝጸምደወ ድላይ
ወይስ ኣሜን ኢልና ንቀበሎ
ሕሱም ምፍልላይ
ምኽኣል ዲና ስኢናዮ
ወይስ ዕድልና'ዩ ተለል'የ
ካዕቦ ፍቕሪ ስኒት ካብ ዘየለ
ጸላኢና እንዳፍቀረ ይፈላለ
እዚ ኹሉ ብሂግናዮ
ሓደ ኣካል ምዃን ካብ ስኣና
ክልተ ምዃን ግዲ'ዩ ትዕድልትና
በበይንናስ ኣኻእሎ ይሃበና
ከም ዝብሃግናዮ ምዓስ ኮይኑ
ከም ዝኾነልና ምበሪ
ከም ዝብሃግናዮ ድዩ
ከም ዝኾነልና ምበሪ
ከምቲ ንደልዮ ዲና ንነብር
ከም ዝኾነልና'ዩ ምበሪ
እምበር ዝሓልፈላ ትሓልፈለይ
መጣፍእተይ ዝብላ መጓዕዝተይ
እንድያ ድኣ ትምኒተይ
ዝሞተላ ትነብረለይ
ዘሐንቅቓ ዘሸሽያ ኣብ ርእሰይ
እንድያ ድኣ እታ ባህገይ
ሩሐይ ዝብላ ዝህባ ሂወተይ
ዝሓስበላ ዝሓሌላ ልዕለይ
እንድያ ድኣ ትምኒተይ
ንሳ ድልየተይ
እሳ እንድያ ድኣ ትምኒተይ
እሳንድያ ኔራ ታባህገይ
ግዳ ትትዕድልተይ
ዘይከም ሓሳባተይ
ዘይከም ሓሰባተይ
ከምዝሓሰብካዮ ማዓስ ኮይኑ
ከምዝሰለጠ እምበሪ
ከምትንደልዮ ዲና ንነብር
ከምዝኾነልናዩ እምበሪ"
እወ ንፋቶ ኢና ግን
ኣመና እንዶ በዚሑ ዘይምስናይ
ክንደቕ ክፈርስ ኳና ፍቕሪ
ኣንዊሕልና ስቓይ
እሞ ንስዓቦ ዶ መመሊስና
ንዝጸምለወ ድላይ
ወይሲ ኣሜን ኢልና ንቀበሎ
ሕሱም ምፍልላይ
ከምዝደለኻዮ ማዓስ ኮይኑ
ከምዝኾነልካዩ እምበሪ
ከምትንደልዮ ዲና ንነብር
ከምዝኾነልናዩ እምበሪ
ከምትሓስቦ ከምትምነዮ
ከምትብህጎ ሞ ዶትረክብ ኢኻ
እንዳበሉኒ ታዝምነያ
ክትኮንለይ ኢለ ጽዒረ ብተስፋ
ኣይኣኸለን ተስፋ
ከምቲዝተተስፋናዮ ማዓስ ኮይኑ
ከምዝኾነልካዩ እምበሪ
ከምትንደልዮ ዲና ንነብር
ከምዝኾነልናዩ እምበሪ
ልበይ ምለሰለይ
ካልእ ከፍቅረሉ ትብልኒ
ልበይ ሒዝኪ ልቢ ትሓትኒ
እንተዝኽእሎስ ንዓይ እንዶ ምሓሸኒ
ምርኻብ ከምዘሎ
ምፍልላይ ክቕበል ከም ንቡር
ምረቱ ተጻዊረ ክስድር
ዘሕለፍናዮ ጠጥዑሙ ክዝክር
ምስጋናይ ተቐበሊ
ለጊስክለይ ሙቁር እዋን ፍቕሪ
ርክብና ኢዩ ተቐይሩ እምበሪ
ፍቕርን ክብርን ክልቴናስ ነባሪ
ከም ዝብሃግናዮ ምዓስ ኮይኑ
ከም ዝኾነልና ምበሪ
ከምቲ ንደልዮ ዲና ንነብር
ከም ዝኾነልና'ዩ ምበሪ
ንሳ እንድያ ድልየተይ
እሳ ድለይተይ
እሳንድያ ኔራ ታባህገይ
ግዳስ ትትዕድልተይ
ዘይከም ሓሳባተይ
ትኾነለይ ከም ትምኒተይ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists