Kishore Kumar Hits

Abraham Afewerki - Khilwelki Ye lyrics

Artist: Abraham Afewerki

album: Semai


ክህልወልኪ'የ
ክህልወልኪ'የ
እንተ በዲሉኪ ዓለም
እንተ ሸጊሩኪ ህይወት
እንተ ኣጓኒፉኪ ጸገም
ክህልወልኪ'የ
ገና ትነብዕሉ ትልሙዕ ፍቕርና
ኣባኺንኪ ሎሚ ካብ ምጥዓስ
ምሓሸኪ ኔሩ ኣነ ከይቀበጽኩ
ብዓንተቦ ርክብና ምኹስኳስ
ጽቡቕ ኣይረኸብኪ
ጽቡቕ ኣይሃብክኒ
ከንግሰኪ ኢለ ብዙሕ ተጋዲለ
ምናልባት'ዶ ዓቕሚ ውሒዱኒ
ልቢ ከዕቢ'ለ ክጽመም ፈቲነ
ኣይከኣልኩን ዓቕለይ ጠሊሙኒ
ጽቡቕ ኣይረኸብኪ
ጽቡቕ ኣይሃብክኒ
ዘፍቀረ ክርሕቕ ከቢድ'ኳ እንተኾነ
ስምዒተይ ጎስየ ሕውነት ወሲነ
ብፍቕሪ ፈቲነ ባህገይ ስኢነዮ
ሓግዝኒ ሓፍቲ ሙኻን ከኣልዮ

ግን ናይ ብሓቂ ድዩ ነብስኺ ጌሩልኪ ተፈሊኽኒ ዝሓገኽዮ
ናይ ብሓቂ ድዩ ልብኺ ጌሩልኪ 'ዚ ሸኻ ፍቕሪ'ዚ ተፈሊኽዮ
ተዓዲልኪ ርሒቕኪ ትኽእልዮ
ተዓዲልኪ ይቕረ ኢልኪ ትኽእልዮ
ተዓዲልኪ ድላይኪ ትኾንዮ
ተዓዊትልኪ ንኹሉ ትኽእልዮ
ስለ ንሓዋሩ እብል
ስለ እቲ ዝሓለፈ
ስለ ጽቡቕኪ ዝምነ
ሓው ክኾነኪ'የ
እንተ በዲሉኪ ዓለም
እንተ ሸጊሩኪ ህይወት
እንተ ኣጓኒፉኪ ጸገም
ክህልወልኪ'የ
ግዳ ኣይተላዕልለይ
ንዓ ንዓ 'ይትበልኒ
ኣይትበርዝዮ ቐልበይ
ኣነ ኸይደግሰኒ
እንተ በዲሉኪ ዓለም
እንተ ሸጊሩኪ ህይወት
እንተ ኣጓኒፉኪ ጸገም
ክህልወልኪ'የ

ገና ትነብዕሉ ትልሙዕ ፍቕርና
ኣባኺንኪ ሎሚ ካብ ምጥዓስ
ምሓሸኪ ኔሩ ኣነ ከይቀበጽኩ
ብዓንተቦ ርክብና ምኹስኳስ
ጽቡቕ ኣይረኸብኪ
ጽቡቕ ኣይሃብክኒ
ግን ናይ ብሓቂ ድዩ ነብስኺ ጌሩልኪ ተፈሊኽኒ ዝሓገኽዮ
ናይ ብሓቂ ድዩ ልብኺ ጌሩልኪ 'ዚ ሸኻ ፍቕሪ ተፈሊኽዮ
ተዓዲልኪ ርሒቕኪ ትኽእልዮ
ተዓዲልኪ ይቕረ ኢልኪ ትኽእልዮ
ተዓዲልኪ ድላይኪ ትኾንዮ
ተዓዊትልኪ ንኹሉ ትኽእልዮ
ስለ ንሓዋሩ እብል
ስለ እቲ ዝሓለፈ
ስለ ጽቡቕኪ ዝምነ
ሓው ክኾነኪ'የ
እንተ በዲሉኪ ዓለም
እንተ ሸጊሩኪ ህይወት
እንተ ኣጓኒፉኪ ጸገም
ክህልወልኪ'የ
ግዳ ኣይተላዕልለይ
ንዓ ንዓ 'ይትበልኒ
ኣይትበርዝዮ ቐልበይ
ኣነ ኸይደግሰኒ
እንተ በዲሉኪ ዓለም
እንተ ሸጊሩኪ ህይወት
እንተ ኣጓኒፉኪ ጸገም
ክህልወልኪ'የ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists