Kishore Kumar Hits

Abraham Afewerki - Sdrai lyrics

Artist: Abraham Afewerki

album: Semai


ስድራይ!
ኣመና ናፊቀ ናፊቀኩም ስድራይ
የሰንፈኒ ሎ ናፍቆት ስድራ-ቤተይ
ይናፍቅ ኣለኹ ይናፍቅ ስድራቤተይ
ኣመና ናፊቀ ናፊቀኩም ስድራይ
ኣቤት ዘፍቅረኩም ስድራይ ምፍቃር እካ ክውሕደኩም
እትረፍ ተፈሌኩም ምሳይ ከለኹም እካ ዝናፍቀኩም
ልሳነይ ኣይገልጾን ኣሃይይ ትልበይ ዝብለኩም ኣሃይይ
ትምኒተይ ሓሳበይ ኣሃይይ ኮቶ ነይጠፋኣኩም ኣሃይይይ
ኣደይ ዘፍቅረኪ ርሖይ ምፍቃር እዃ ክውሕደኪ
እትረፍ ተፈሌኪ ምሳይ ከለኺ ካ ዝናፍቀኪ
ልሳነይ ኣይገልጾን ኣሃይይ ትልበይ ዝብለኪ ኣሃይይ
ትምኒተይ ሓሳበይ ኣሃይይ ኮቶ ነይጠፋኣኪ ኣሃይይ
ወላዲተይ ብህያዊ ፍቅሪ መላኣኽ መሬት ልእኽቲ ፈጣሪ
ዕምቆት ልብኺ ውቅያኖስ ናይ ፍቅሪ ተግባራትኪ ፍረ ለዋህ ባህሪ
ክንደይ ምስጢር ትሓቁፍ ከብድኺ ክንደይ ምኽሪ ትልግስ ልሳንኪ
ክንደይ ጽንዓት ተዘንቱ ሽምጥኺ ክንደይ ሓበን ተፍሪ ማህጸንኪ
ክንደይ ተስፋ ትዕድል ሂወትኪ ክትህቢ ዩ ፈጢሩ ንዓኺ
ከምቲ ዝፈትወካ ኣቦይ ኣቦይ ምፍቃር እካ ክውሕደካ
እትረፍ ተፈሌካ ምሳይ ከለኻ ዃ ዝናፍቀካ
ልሳነይ ኣይገልጾን ኣሃይይ ትልበይ ዝብለካ ኣሃይይ
ትምኒተይ ሓሳበይ ኣሃይይ ኮቶ ነይጠፋኣካ ኣሃይይ
ብዙሕ ዘፍቅረኩም ወለደይ ፍቅሪ እካ ክውሕደኩም
እትረፍ ርሒቀኩም ከለኹ'ዃ ኣውጊዐ ዘይጸግበኩም
ልሳነይ ኣይገልጾን ኣሃይይ ትልበይ ዝብለኩም ኣሃይይ
ትምኒተይ ሓሳበይ የሀይይ ኮተ ነይጠፋኣኩም ኣሃይይ
ክበሩለይ ፍቁራት ወለዲ ናይ ሂወተይ መራሕቲ መንገዲ
ኩሉ ሓላፋይ ዩ ኢልኩምኒ ኣእሚንኩም ድማ ኣብዚ ኣብጺሕኩምኒ
ዘዋህለልክዎ መብጽዓ ለኒ ዋልታ ክኸነኩም ከብቅዓኒ
ጻማ ናይ ጻዕርኹም ከኽሕሰኒ ጸለትኩም ወትሩ ኣይፈለየኒ
መርቁኒ ምርቓ ወላዲ ከብርሃለይ ናይ ሂወት መንገዲ
ፍቁራት የሕዋተይ ናብራ ናይ ገዛና ዘሕለፍናዮ ሂወት ናፊቀ
ዘይከውን ኮይንኒ የ ርሒቀ
ይምርሽ ኣለኹ ሓልየትኩም ፍቅርኹም ሰኒቀ
እንታይ ክኾነልኩም ደቀይ ምፍቃር ዳኣ ከይውሕደኩም
እትረፍ ተፈሌኩም ኣብ ሕቅፎይ ከለኹም ዝናፍቀኩም
ወሊድካ ፈትኖ የሀይይ ተባሂለ ቅድሜኹም ኣሃይይ
ሃየ ሓንቁቁለይ ኣሃይይ ንፍቅርቲ ኣዴኹም ኣሃይይ
ኣለኒ ግዜ ናፍቆት ከሰንፈኒ ምኻኣል ይስእኖ
ኩሉ ጠንጢንካ ሃጽ ኢልካ ኺድ ይመጸኒ ከም ሻሙ ዳሕራይ
ብዓይነይ ክርእየኩም ስድራይ
ይናፍቅ ኣለኹ ይሓስብ ኣለኹ ባኣኹም ፍቁራት ስድራይ
ከይትሽገሩ ከየሕምቀኩም ናብራ ከይህሉ ጸገም
ኣነ ከለኹ ኣብ ዓለም
ነብሰይ ርሒቁ ኣሃይይ ይኳታህ ኣሎ ኣሃይይ
ቀልበይ ባኣኹም ኣሃይይ ተገዚኡ ሎ ኣሃይይ
ልበይ ምሳኹም ኣሃይይ የዋግዕ ኣሎ ኣሃይይ
ባህገይ ምሳኹም ኣሃይይ ኣሳፊሑ ሎ ኣሃይይ
ኣለኒ ግዜ ናፍቆት ከሰንፈኒ ምኻኣል ይስእኖ
ኩሉ ጠንጢንካ ሃጽ ኢልካ ኺድ ይመጸኒ ከም ሻሙ ዳሕራይ
ብዓይነይ ክርእየኩም ስድራይ
ይናፍቅ ኣለኹ ይሓስብ ኣለኹ ባኣኹም ፍቁራት ስድራይ
ከይትሽገሩ ከየሕምቀኩም ናብራ ከይህሉ ጸገም
ኣነ ከለኹ ኣብ ዓለም
ነብሰይ ርሒቁ ኣሃይይ ይኳታህ ኣሎ ኣሃይይ
ቀልበይ ባኣኹም ኣሃይይ ተገዚኡ ሎ ኣሃይይ
ልበይ ምሳኹም ኣሃይይ የዋግዕ ኣሎ ኣሃይይ
ባህገይ ምሳኹም ኣሃይይ ኣሳፊሑ ሎ ኣሃይይ
ኣመና ናፊቀ ናፊቀኩም ስድራይ
የሰንፈኒ ሎ ናፍቆት ስድራ-ቤተይ
ይናፍቅ ኣለኹ ይናፍቅ ስድራቤተይ ኣመና ናፊቀ ናፊቀኩም ስድራይ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists