Kishore Kumar Hits

Abraham Afewerki - Tehambele lyrics

Artist: Abraham Afewerki

album: Semai


ሓዋሩ ከይንውጻዕ
ከይንከውን መፍቶ ጋና
ዕብየት ክንጎናጸፍ
ዓቅሚ ክህልወና
ስዉር ሰንሰለት ፍቅሪ
ተራኸቡ ኢላ ኣዴና
ብደም ብሉጻት ደቃ
ቃል እተዉ ኢላትና
ሓላል ቤት ደቂ ጽንዓት
ብርሃን ክንኩለዓላ
ውሑዳት ግን ህርኩታት
ከክንዲ ሽሕክንኮነላ
ዝበልናዮ ክሰምር
ሚሒልና ጢሕልናላ
ነንገብሮ ክንሓስብ
ኢና ተማባጺዕናላ
ኣሕዋተየ ደቂ ጽንዓት
ከም ወርቂ ኣብ ጨርቂ
ኣብ ሓው ዝደበለ
ኣብ ዘዘለናዮ ዓዲ ንዓበደለ ንሓድሕድ ንሳለ
ኣብ ነንገብሮ ሞያ ነዓ ዝለለ ንዓ ንተሓላለ
ኣሕዋተየ ደቂ ጽንዓት
ከም ወርቂ ኣብ ጨርቂ
ኣብ ሓው ዝደበለ
ኣብ ዘዘለናዮ ዓዲ ንዓበደለ ንሓድሕድ ንሳለ
ኣብ ነንገብሮ ሞያ ነዓ ዝለለ ንዓ ንተሓላለ
ነፍስወከፍ ጸጋ ከይትባኽን
ዘዝበርሀ ሽምዓ ከይትቅህም
ዘዝብቆለት ተኽሊ ከይትቅምርር
ዘዝነቀለት ክእለት ከይትዳኸም
ንላዘብ ዶ ኣለና ንመኻኸር
ንሰምር ዶ ኣለና ንተሓናገር?
ኣተሓሳስባና አንተ ሃብቲሙ
ወዮ ድኽነትና ሽዑ ኣኽቲሙ
ኣተሓሳስባና አንተ ሃብቲሙ
ወዮ ድኽነትና ሽዑ ኣኽቲሙ
ድኽነት ሲ ይብዳህ 'ዩ
ኣተሓሳስባ እዩ እቲ ፈልሲ
ፍቅሪ አንድ'ዩ ሕመረቱ
መሪር ናይ ምንባር ቃልሲ
ኣየ እወ ነዚ ጽባሕ
ሓመድ ዝበልዖ ነብሲ
ኣየ እወ ነዚ ጽባሕ
ሓመድ ዝበልዖ ነብሲ
ኣሕዋተየ ደቂ ጽንዓት
ከም ወርቂ ኣብ ጨርቂ
ኣብ ሓው ዝደበለ
ኣብ ዘዘለናዮ ዓዲ ንዓምበለ ንሓድሕድ ንሳለ
ኣብ ነንገብሮ ሞያ ነዓ ዝለለ ንዓ ንተሓላለ
ኣሕዋተየ ደቂ ጽንዓት
ከም ወርቂ ኣብ ጨርቂ
ኣብ ሓው ዝደበለ
ኣብ ዘዘለናዮ ዓዲ ንዓምበለ ንሓድሕድ ንሳለ
ኣብ ነንገብሮ ሞያ ነዓ ዝለለ ንዓ ንተሓላለ
ነፍስወከፍ ጸጋ ከይትባኽን
ዘዝበርሀ ሽምዓ ከይትቅህም
ዘዝብቆለት ተኽሊ ከይትቅምርር
ዘዝነቀለት ክእለት ከይትዳኸም
ንላዘብ ዶ ኣለና ንጻዋወር
ንሰምር ዶ ኣለና ንተሓናገር
ኣተሓሳስባና አንተ ሃብቲሙ
ወዮ ድኽነትና ሽዑ ኣኽቲሙ
ኣተሓሳስባና አንተ ሃብቲሙ
ወዮ ድኽነትና ሽዑ ኣኽቲሙ
ኢድ ን'ኢድ ጠሚርና ንዝለል
ንሂወት ክንገብራ ድምቅቲ ተሓምበለ
ኢድ ን'ኢድ ዓቲርና ዕስለ
ዓቅምና ዓውድና ክውሕዝ ተሓምበለ
ተሓምበለ ንበል ደቂ ጽንዓት
ተሓምበለ ንበል ደቂ ኤረ
ተሓምበለ ዕሰሉ ዕሰሉ
ተሓምበለ ተሓምበለ በሉ
ዕሰሉ ደቂ ኤረ ኣይትሰኣኑ ኣይትሰኣኑ
ተሓምበለ ኣይከውንን እዩ ንስኩም ዘይብሉ
ሂወት ኣይምቅርን'ዩ ዕስለኩም ዘይብሉ
ተሓምበለ ንበል ደቂ ጽንዓት
ተሓምበለ ንበል ደቂ ኤረ
ተሓምበለ ዕሰሉ ዕሰሉ
ተሓምበለ ተሓምበለ በሉ
ኢድ ን'ኢድ ጠሚርና ንዝለል
ንሂወት ክንገብራ ድምቅቲ ተሓምበለ
ኢድ ን'ኢድ ዓቲርና ዕስለ
ዓቅምና ዓውድና ክውሕዝ ተሓምበለ
ተሓምበለ ንበል ደቂ ጽንዓት
ተሓምበለ ንበል ደቂ ኤረ
ተሓምበለ ዕሰሉ ዕሰሉ
ተሓምበለ ተሓምበለ በሉ
ተሓምበለ ንበል ደቂ ጽንዓት
ተሓምበለ ንበል ደቂ ኤረ
ተሓምበለ ዕሰሉ ዕሰሉ ተሓምበለ
ተሓምበለ በሉ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists