Kishore Kumar Hits

Freselam Mussie - Hagerey Nebia lyrics

Artist: Freselam Mussie

album: Hagerey Nebia


ሓዋር መከራ ዝተማዕቶ
ገጻ ኸዲና ዓለም ዝተሓብኣቶ
ኣላሊሹ ትርፊ ክስውን ዘይበለ
ነዛ ምንባር ጥራይ ከቶ ዝተኸልከለ
ህዝቢ 'ለኒ ለይቲ ዝተመጦ
ህዝቢ 'ለኒ ጊዜ ዝጸቐጦ
ህዝቢ 'ለኒ ኣብ ጸላም ዝነብር
ህዝቢ 'ለኒ መስሎኽ ጩራ ሃሰው ዝብል
ምድር-ቤቱ ኧሺዂ ዛሬብኡ ደለተ
ግራቱ ሃጒጉ ማይ ሩብኡ ዝሕተ
ፈንጠዝያን ተድላን ምሕላሙስ ምተረፎ
ርእዩ ዝሰኣኖ ዕሸል ራህዋ እተኾልፎ
እቲ ኣብ ክራማት ዝነበሮ ተስፋ
መስቀል ከይበረቐ ተቐይሩ ሃፋ
ኣብ ፊቱ ተቐሪቡ ዘይክፈት መኣዲ
ሸንኮለል ኾይንዎ ኣብ ጥርሑ ዓውዲ
መዋእል ስቅቕታ 'ናወለደ ዓቕሊ
ምቕሉ እናተዘምተ ዝመረጸ ከውሊ
ኣጓብዝ ኣብጺሑ ደርዓ ከይረኣየ
ኣረዉ በብሓደ ንሱ 'ናሳለየ
ወደይ ጓለይ ኢሉ እንከየሐንቀቐ
ወሰዱለይ ክብል እናተሳቐቐ
ውጽዕቲ ኣደ ስዉእ 'ቶም ሓድጊ ውላዳ
ብስደት ዕስክርና ወላድ-መኻን ኮይና
ስንኩል ተጋዳላይ ስድርኡ ኣምሪሑ
ስደት ምስ ሰፈረ ጎጅኡ ራሕሪሑ
እቲ ገባር ዓዃይ ሓሪሱ ምሒሱ
ርሂጹ ከይበልዕ መሬት ተወሪሱ
ሃገረይ ነቢዓ ሕሱም ንብዓት ምረት
ፍረ ኣልቦ ኮይና ወያ ጸጋው መሬት
ወጽዓ 'ተተባህለ ወጽዓ ዝበኣሰ
በትሪ ዘዝሓዘ ኩሉ እናኣበሰ
ክሱስ እናፈረደ ሒዝዎ ኾረሻ
ሓፋሽ ግን ኣስቂጡ ተመሲሉ ዓሻ
እንተ ሎሚ ግና ነታ ሓንቲ ረፍዲ
ነቲ ሕሱም ቱዃን ዝመንጠሎ ንእዲ
ኢደይ-ኢድካ 'ሉ ንሓዋሩ ኸጥፍኦ
ህዝበይ ነታ ኣድማ ተዳልዩ'ሎ እንሆ
("ሆ" በል) ኣቺደንተ (በሊ. . .)
("ሆ" በል) ኣርክቦ መንእሰይ (በሊ. . .)
("ሆ" በል) ኣየወ ከም ቀደም ተዝኸውን
("ሆ" በል) ንሕናስ ኣሪግና ኢና
("ሆ" በል) ኣሪግና ኢና ንሕና 'ታ ኣርክቦ እንዶ ባዕልኻ ኣታ ሓዞ
("ሆ" በል) መንእሰይ ኣጆኻ
("ሆ" በል) ኣየወ ኣብ ደጉ-ዓሊ ክንቋራፈድ ከለና
("ሆ" በል) ኣጆኻ መንእሰይ ኣይትጀጁ'ባ (ኣጆኻ! ኣጆኻ! ጅግና! ኣጆኻ!)
("ሆ" በል) ኣጆኻ 'ታ
("ሆ" በል)
እሞ'ኸ ድኣ መንእሰይ ወዲ ውጹዕ ህዝቢ
("ሆ" በል)
እዚ ተካል እዋን እጠልበካ'ሎ ቐልቢ
("ሆ" በል)
ከይትስእኖ ጽባሕ ሰረትካን ርስትኻን
("ሆ" በል)
ንመሰልካ ተስእ ንስኻን ባዕልኻን
("ሆ" በል)
ተበለጽቲ 'ለዉ ደለይቲ ኹርሲ
("ሆ" በል)
ንሓፋሽ እምበር ጎባልል ከይተሳሲ
("ሆ" በል)
ፍትሕን ስርዓትን ጥራይ ከተስፍን ስራሕ
("ሆ" በል)
ህዝቢ ብሕጊ እምበር ብመላኺ ከይምራሕ
ሓደራኻ!
("ሆ" በል)
ሓደራኻ 'ታ መንእሰይ
("ሆ" በል)

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists