Kishore Kumar Hits

Eden Kesete - Awtistay lyrics

Artist: Eden Kesete

album: Awtistay


ኣውቲስታይ ወርቂ ሰዓቱ
ሰዓት ክንደይ ትኣቱ
ኣውቲስታይ ወርቂ ሰዓቱ
ሰዓት ክንደይ ትኣቱ

ኣውቲስታይ ወርቂ ሰዓቱ
ሰዓት ክንደይ ትኣቱ
ኣሻብ ወፊርካ ሰዓት ክንደይ ትኣቱ
ጎጆይ ንምጽኣትካ ርሑው'ዩ መረብ ቤቱ
ኣውቲስታይ ንዓኒ
ኣውቲስታይ ንዓኒ
ሓጺን ሕላገቱ
ኣውቲስታይ ንዓኒ
ኣውቲስታይ ንዓኒ
ሓጺን ሕላገቱ

ንስኻ ኣብቲ መኪናኻ ቀም ተብል ንበይንኻ'የ
ኣነ ድኣ ኣብ ገዛ ሗቒፈ ፍቕርኻ
ንስኻ ኣብቲ መኪናኻ ቀም ተብል ንበይንኻ'የ
ኣነ ድኣ ኣብ ገዛ ሗቒፈ ፍቕርኻ
ሰናይ ጉዕዞ እንድዩ ምርቓ ናዴኻ
ሰናይ ጉዕዞ እንድዩ ትምርቓ ኣዴኻ
ኣዴኻ

ገለ'ዶ ተቓጽየን ፈቃራት ከም ከማይ
ኮፍ ኢለ ኸውግሖስ ከፋርቖ ሕልመይ
ክጽሊ ክሓድር ቦግ ከየብላለይ
ተሻቒለልካ እምበር ኣውቲስታ ዓለመይ
ተሻቒለልካ እምበር ኣውቲስታ ዓለመይ

ከመይ ዘይሻቐል ሻቕላ እንድዩ ዕዮኻ
ከመይ ዘይቐንእ ውዱእ እምበር ኢኻ
ተሃራፊ ድሃይ ኣውቲስታይ ከመይ ኣለኻ
ዘልካኒ ክእዘዝ ጥለብ ሓሓሪኻ
ኣያይ ወርቂ ሰዓቱ
ልበይ መረበዓቱ
ከደ እባ'ታ ዚ'ውነይ
ናባኻ ሃውቲቱ
ሞትኩልካ'ባ ኣነስ
ክትጸልእ ክትፈቱ
ኣቃጢሩ ልበይ
ናብ ቅጥራን ሸፊቱ
ቢብ (ቢብ) ኣብለለይ
ቢብ (ቢብ) ኣብለለይ
ብዓዳ ኣዕልለለይ
ድሃይካ'ዩ ግልባጮይ ቁናኖይ
ድሃይካ'ዩ ግልባጮይ ቁናኖይ

ከመይ ዘይሻቐል ሻቕላ እንድዩ ዕዮኻ
ከመይ ዘይቐንእ ውዱእ እምበር ኢኻ
ተሃራፊ ድሃይ ኣውቲስታይ ከመይ ኣለኻ
ዘልካኒ ክእዘዝ ጥለብ ሓሓሪኻ
ኣያይ ወርቂ ሰዓቱ
ልበይ መረበዓቱ
ከደ እባ'ታ ዚ'ውነይ
ናባኻ ሃውቲቱ
ሞትኩልካ'ባ ኣነስ
ክትጸልእ ክትፈቱ
ኣቃጢሩ ልበይ
ናብ ቅጥራን ሸፊቱ
ቢብ (ቢብ) ኣብለለይ
ቢብ (ቢብ) ኣብለለይ
ብዓዳ ኣዕልለለይ
ድሃይካ'ዩ ግልባጮይ ቁናኖይ
ድሃይካ'ዩ ግልባጮይ ቁናኖይ
ኣውቲስታይ ወርቂ ሰዓቱ
ኣውቲስታይ ወርቂ ሰዓቱ
ሰዓት ክንደይ ትኣቱ
ኣውቲስታይ ወርቂ ሰዓቱ
ኣውቲስታይ ወርቂ ሰዓቱ
ሰዓት ክንደይ ትኣቱ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists